ኦንላይን ክፍሊት ከመይ ይጥቀሙ? መምዝገቢ ኮነ ወርሓዊ ክፍሊት ወይ ተመላሲ ገንዘብ ኣታዊ ንምግባር ናብ መሓዙት ምምፃእ እንተየድለዮም ካብ ዘለዉዎ ምኽፋል ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ እዚ ዝስዕብ መምርሒ የከተሉ። 1) መጀመርያ ካብ ፕላይስቶር ወይ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሞባይል መተግበሪ ኣውሪዶም ኣብ ሞባይሎ ይፅዓኑ 2) ኣባል ምዃኖም የረጋግፁ 3) መሓዙት ኣብ ዝጥቀምሉ ባንክ ኣካውንትምህላዎም የረጋግፁ 4) ሞባይል ባንክ ተጠቃማይ ምኳኖም የረጋግፁ 5) ኣብ ሞባይሎም ዝፀዓንዎ ናይ መሓዙት ሞባይል መተግበሪ ብምኽፋት ኦንላይን ፓይመንት ኣብ ዝብል ክሊክ ይግበሩ 5) መለለዪ ሽምን ናይ ምስጢር ቃልን ብምምልእ ይእትዉ ዝብል ይፀዓኑ። 7) ካብ እቶም ዝተዘርዘሩ ባንክታት ዝጥቀሙል ብምምራፅ ክፍሊት ይፈፅሙ።